Sunday 19th of May 2013

Home
Welcome to the Frontpage
ብምኽንያት መዓልቲ ሽቃሎ ዓለም ባሕቲ ግንቦት 2013 ዝወጸ ግንባራዊ መግለጺ PDF Print E-mail
Written by ቤ/ጽ ዜናን ሓበሬታን   
Wednesday, 01 May 2013 12:14

ብምኽንያት መዓልቲ ሽቃሎ ዓለም ባሕቲ ግንቦት 2013

ዝወጸ ግንባራዊ መግለጺ

ባሕቲ ግንቦት ኣብ ታሪኽ ሸቃሎ(ሰራሕተኛታት) ዓለምና ፍሉይ ምዕራፍ ታሪኽ ዝሰነደት ዕለት’ያ፡፡ ግንቦት ሓደ፡ ሸቃሎ ምእንቲ መሰሎም ንዘካየዱዎዎ መሪር ቃልስን ዝኸፈሉዎ ከቢድ መስዋእትን ንምዝካር ዝተሰየመት ክብርቲ ዓለም-ለኻዊት ዕለት እያ። ሸቃሎ ኤርትራ'ውን ከም ኣካል ኣምሳል ሸቃሎ ዓለም መጠን ነዛ ክብርቲ ዕለቶም ከም ኩነታቶም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን እናዘከሩዋ ጸኒሖምን ኣሎዉን።

ኣብ ምዕቡላትን ኣብ ምምዕባል ካብ ዝርከባ ሃገራትን ዝነብሩ ሸቃሎ፡ ከም ውጽኢት ቃልሶምን መስዋእቶምን፡ ኣብ ፖሎቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን መዳያት ዝተወሰኑ ረብሓታት ኣውሒሶም'ዮም፡፡ ብነጻ ማሕበራቶም ኣቢሎም ድማ፡ ንዘረጋገጹዎም ረብሓታት ንምሕላው ይኹን ዝበለጸ ጥቕምታት ንምርግጋጽ ክቃለሱ ይረኣዩ።

ሸቃሎ(ሰራሕተኛታት) ኤርትራ፡ ከም ኣካል ኣምሳል ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ መጠን፡ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ጅግንነታዊ ቃልሲ ዘካየዱን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈሉ'ኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ነጻ ኤርትራ፡ ካብ'ቲ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘሕለፉዎ መሪር ሂወት ዝኸፍአ መነባብሮ የሕልፉ ምህላዎም ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

Read more...
 
ደምዳሚ መግለጺ 10ይ-ስሩዕ ኣኼባ ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት PDF Print E-mail
Written by ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰደግኤ   
Thursday, 18 April 2013 12:43

ደምዳሚ መግለጺ

10ይ-ስሩዕ ኣኼባ ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት፡

ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

 

ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) መበል 10ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ ብዕለት 15ን 16 ሚያዝያ 2013 ኣሰላሲሉ።


ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰደግኤ፡ ኣብ 10ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ፡ ንህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብፍላይ፡ ንዕኡ ዝጸልዉ ከባብያውን ዓለማውን ኩነታት ድማ ብሓፈሻ፡ ገምገመ። ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ከቢድ ውሽጣዊ ቅልውላው ናብ ቅርዓት ወጺኡ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓቕሊ ጽበታዊ ዓገርገር ኣትዩ፡ ናብ ኣዝዩ ድሑር ጎስጓስ ብምውፋር፡ ሓድነት ህዝብታት ኤርትራ ብምልሕላሕ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ዘናውሓሉ ናይ መወዳእታ ከንቱ ፈተነ ብዝተፈላለዩ ስልትታት የካይድ ምህላዉ ገምገመ።


ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ስርሒት፡ ኣብ ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ ኣብ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ፡ ኣንጻር ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ቃልሲ፡ ብዝለዓለ ውሕልነት፣ ሰፊሕ ናይ ህዝብታትና ደገፍን ናይ ሓይልታት ምክልኻል ንጡፍ ተሳትፎን ተወሃሂዱ፡ ብዘተኣማምን ክዕወት ከምዝኽእል ብምግንዛብ ናብ ውዑይ ምንቅስቓስ ክሰጋገሩ ዘብቀዖም ታሪኻዊ ፍጻመ ምዃኑ ኣቐመጠ። ብሽም ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ቅልውላው (International Crisis Group) ዝፍለጥ ትካል፡ ንህሉው ኩነታት ሃገርና ኣመልኪቱ ዘካየዶ መጽናዕትን ዘቐመጦ ፍታሕን ንዲሞክራስያዊ ቃልስና ዘሎዎ ትርጉም ብዕምቆት ገምገመ። ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ መንእሰያት ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ንፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስሩ ንምውጋድ፡ ቃልሶም ኣብ ዘወዓዕዩሉ ዘለዉ እዋን፡ በዚ ጉጅለ'ዚ ዝቐረበ ፍታሕ፡ ንዲሞክራስያዊ ቃልስና ዘበርዕንን፡ ንፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ብምጽግጋን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ክወርድ ንዝጸንሐ ናይ ከባቢ 22 ዓመታት ገደብ ኣልቦ ጭቆናን ሕሰምን ብካልእ መልክዕ ብዝኸፍአ ክቕጽል ዝገብር ዘይቅኑዕ ፍታሕ ምዃኑ ገምገመ። ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ቅልውላው(ICG)፡ ንህሉው ድኻም ሓይልታት ተቓዉሞ መዝሚዙ፡ ንፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብካልእ መልክዕ ጸጋጊንካ ሂወት ዝሰርዓሉ ኩነታት ክፈጥር ምሕላኑ፡ ህሉው ኩነታት ህዝብታትናን መጻኢ ዕድሎምን ዘይዓጦ፡ ንስርዓተ-ምሕደራ ህግደፍ ብዝኸፍአ ክቕጽሉዎ ዝሕልኑ ጉጅለታትን ጎይቶቶምን ዘላቒ ረብሓ ንምሕላው ዝዓለመ ትካል ምዃኑ ብምግምጋም፡ ኣጥቢቑ ከምዝቃወሞ ኣቐመጠ። ምእንቲ መሰረታዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ውጹዓት ህዝብታትናን፡ ነዚ ብዓለም-ለኻዊ ጉጅለ ቅልውላው(ICG) ተኣሚቱ ዘሎ ፍታሕ፡ ሓደገኛነቱ ብምግንዛብ ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ንምፍሻሉ ክቃለሱዎ ጻውዒት ኣቕረበ።

Last Updated on Wednesday, 01 May 2013 12:21
Read more...
 
ናይ ደገፍ መግለጺ ኤደግ፡ ንውድባዊ ጉባኤ ብደግሓሳኤ PDF Print E-mail
Written by ሰክረታርያ ኤደግ   
Wednesday, 17 April 2013 10:58

ናይ ደገፍ መግለጺ ኤደግ፡ ንውድባዊ ጉባኤ ብደግሓሳኤ



ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነት፡ ብደግሓሳኤ

ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳዊት ሽማግለ ጉባኤ፡

ዝኸበርኩም ተወከልቲ ውድባዊ ጉባኤ፡

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ

ተሳተፍቲ ናይ'ዚ ክቡር ጉባኤኹም ክንከውን ዝገበርኩሙልና ዕድመ እናኣመስገንና ጉባኤኹም ብሰላም ጀሚሩ ብዓወት ክዛዘም ዘለና ምንዮት ንገልጸልኩም።


ውድብ ብደግሓሳኤ ብተዛማዲ ኣዘራርባ ዕሸል ውድብዩ። እንተኾነ ግን ሓደ ካብ'ቶም ካብ ቅድሜኦም ዝነበረ ተመኩሮታት ናይ ካለኦት ውድባት ቀሲሞም ንቕሓት ኣባላቶም ክብ ኣብ ምባል ጽዑቕ ስራሓት ሰሪሖም ውድብ ኣብ ምህናጽ ልሉይ ስራሕ ካብ ዝሰርሑ ውድባት ምዃኖም ዘሓብነና እዩ።


ግንባርና ኤደግ ካብ'ቶም መሰል ብሄራትን ክብርታቶምን ኣብ ምርግጋጽን ኣብ ምዕቃብን ከም ዓበይቲ ኣዕኑድ ናይ መትከሎም ጌሮም ዝኣምኑ ውደባታት ሓደ እዩ። ሕቶ ማዕርነትን መሰልን ብሄራት፡ ሓደ ለማኒ ሓደ ተዃቢ ኮንካ ክረጋገጽ ዝግበኦ ተርእዮ ክኸውን ኣይግባእን። ከም'ቲ ሰብ ስለዝኾነካ ጥራሕ ሰብኣዊ መሰልካ ክሕሎ ዝግባእ፡ ናይ ሓባር መለለዪ ዘለዎም ከም ብሄራት ዝኣመሰሉ ናይ ኤርትራ ክውንነት እውን ከምኡ መሰሎምን ክብርታቶምን ክሕለወሎም ባህርያዊ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ግድነታዊ እውን እዩ። ከምኡ እንተዘይጌርካ ገሌኻ ሰብ ውሻጠ ገሌኻ ሰብ ምድርቤት፡ ገሌኻ ሰብ ቤት ገሌኻ ተኻረይቲ ኮንካ ኢኻ ትነበር። ናይ ዋንነት ስምዒት ኣብ ዝሃሰሰሉ ኣተሃላልዋ ድማ ነታ እትነብረላ ሃገር ኩሉ ዘለካ ከይበቐቕካ ኣይትህብን።

Last Updated on Wednesday, 17 April 2013 11:07
Read more...
 
መግለጺ ደገፍ ንጠቕላላ ጉባኤ ኤዲኪ PDF Print E-mail
Written by ሰክረታርያ ኤደግ   
Thursday, 18 April 2013 12:15

መግለጺ ደገፍ ንጠቕላላ ጉባኤ ኤዲኪ

ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነት ኤዲኪ፡

ኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኤዲኪ፡

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ፡

ብቐዳምነት ኣብ መኽፈቲ ጉባኤኹም ተረኺብና ቃል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ከነቕርብ ንዝገበርኩምልና ዕድመ ዕዙዝ ገድላዊ ምስጋናና እናቕረብና ዕዉት ጉባኤ ክገብረልኩም ንምነ።

ዝኸበርኩም ጉባኤኛታት፡-

ጉባኤኹም ፖሎቲካዊ ወድዕነት ኤርትራ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብውሽጥን ብደገን ንለውጢ ምቹእ ኩነታት ኣብ ዝተፈጥረሉ ህሞት ይካየድ ምህላው ፍሉይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ንግንዘብ። ከመይሲ ገባቲ ስርዓት ካብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ካብ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ድማ ብፍላይ፡ ከምኡ’ውን ካብ ማ/ሰብ ዓለም ጠቕሊሉ ተነጺሉ ኣንጻሩ ዝካየድ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ቃልስታትን ተጽዕኖታትን ጻዕጺዕዎ ዕለተ ውድቀቱ ኣብ ዝቐራረበሉ እዋን ስለ ንርከብ። ህዝብና እኩብ ድምር ናይ'ቲ ንዓመታት ኣብ እንግድዕኡ ተደሪዑ ዝጸንሐ ንሕስያ ዘይብሉ ግፍዕታትን ግህሰታትን ኣብ ክጻወረሉ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ሎሚ ኣይፋልን ካብ'ዚ ንላዕሊ በደላት ኣይስከምን!! እምቢ ንባርነት እወ ንሓርነት!! ብምባል ድምጺ ፍትሕን ሓርነትን ኣብ ዘቃልሓሉ እዋን በጺሕና ምህላውና ብሩህ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። እቶም ውጹዓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ'ዚ እዋን’ዚ ፖሎቲካዊ መንነት ናይ'ቲ ስርዓት ብግቡእ ብምልላይ፡ ኣብ ጎኒ’ቲ ፍትሓዊ ሕቶታት ህዝቦም ተሰሊፎም ሓንጎልን ኣብራኽን ህግደፍ ንምስባር ምሉእ ድልውነት ዘረጋግጽሉ ግዜ ምዃኑ እውን ምልክታቱ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። ምንቅስቓስ 21 ጥሪ 2013 ብውጽኢቱ ዝካየድ ዘሎ እምብይታን ቃልስታትን ናይ'ዚ ዓቢ ምልክትዩ። ካብ'ዚ ብምብጋስ ጉባኤኹም ነዚ ኩነታት’ዚ ብደቂቕ ተገንዚቡ፡ ብሩህ ራእይን ስትራተጂን ጨቢጡ ክወጽእ ተስፋ ንገብር።

Last Updated on Thursday, 18 April 2013 12:56
Read more...
 
08 መጋቢት 2013 ዝተዳለወ ግንባራዊ መግለጺ PDF Print E-mail
Written by ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ኤደግ   
Thursday, 07 March 2013 18:02

ብምኽንያት 08 መጋቢት 2013 ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተዳለወ ግንባራዊ መግለጺ

08 መጋቢት ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ዓለምና ፍሉይ ምዕራፍ ዘለዋ ዕለት’ያ፡፡ 08 መጋቢት ንዘመናት ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ንዝወርድ ዝነበረን ዘሎን ድርብ ወጽዓ ካብ ሱሩ ንምምሓዉ ናይ ዝተጀመረ ነዊሕ መስርሕ ተጋድሎ ፈላሚትን ንሓድሽ ደሞክራሲያዊ ባህሊ ቡቕሊ ዝተኸለትን ታሪኻዊት ዕለት’ያ፡፡ ምእንቲ’ዚ ልዕሊ ሓደ ክፍለ-ዘመን ዝተካየደ መሪር መስተንክራዊ ተጋድሎ ደቂ-ኣንስትዮን ንስሊኡ ዝተኸፍለ መስዋእትን ብምዝካር፡ መኽሰባቱ ዓቒብካ ንዝለዓለ ተጋድሎ ሰንደቕ-ዕላማ 08 መጋቢት ብምልዓል ንዝበለጸ ዓወታን ድምቀታን ኣብ ደንበ ፍትሓውን ማዕርነታውን ሱታፌ ደቂ-ኣንስትዮ ብልቢ ዝኣምኑ ሓይልታትን ዋናታታን ዝዝክርዋ፡ ብኣርማ ጽንዓትን ቃልስን እትምሰል ረዛን ዕለት’ያ፡፡ ከም ኣካል’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዝኽርታትና ድማ እነሆ ሎሚ ንመበል 105 ግዜ 08 መጋቢት 2013 ብክብ ዝበለ ናይ ቃልሲ፣ ጽንዓትን ዓወትን ታሪኻዊ ኤርትራዊ መንፈስ ተላቢስና፡ “ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምርግጋጽ ኩሉ ዓቕምታትና ኣንጻር ቶታሊታርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ ይቕናዕ” ንዝብል መሪሕ ጭርሖ ግብራውነት፡ ኣብ ሓደ መስርዕ ብምዕሳል ታሪኻዊ ሓላፍነትና ክንፍጽም ኣብ እንጥለበሉ ልዳት ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኮይንና ነብዕላ ምህላውና ፍሉይ ድምቐት ዘለዎ’ዩ፡፡


ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንዘመናት ኣብ ልዕሊኤን ንዝበጽሕ ዝነበረን ዘሎን ጾታውን ደርባውን ወጽዓታት ብምቅዋም፡ ማዕርነታውን ፍትሓውን ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዓለምና ንምርግጋጽ ኣብ ዝተገበረ መስተንክራዊ ጅግንነት ጉቡአን ብምፍጻም፡ ፊታውራሪ ናይቲ ዝተመዝገበ ድሙቕ ታሪኽ 08 መጋቢትን ዕላማታታን ኽኾና ናይ ዝበቕዓ ኣፍሪካውያን ብጾተን መሳርዕ ዝዳረግ ታሪኽ ጅግንነት በዓል-ቤት እየን፡፡ ንዱሑር ሕብረተሰብኣዊ ማሕለኻታት ሰጊረን ኣብ ኣደባባያት ድምጸን ዘስምዓ ዋዕሮታት ኤርትራ እልፊ ደርዘን ታሪኽ ሰኒደን’የ፡፡ ኣብ መስርሕ ነጻነታዊ ተጋድሎና፡ ምስ ደቂ-ተባዕትዮ የሕዋተን ማዕረ ተሰሊፈን ግን ከኣ ሕልፊ መስገደል እናሰገራ፡ ብዋጋ ከቢድ መስዋእቲ ዘልኣለማዊ ትእምርቲ ሓወልቲ ነጻነተን ኣምቢረን’የን፡፡ ካብ ቅድመ-ግንባራት ጀሚርካ፣ ድሕረ-ግንባራትን ኣብ ከርሲ-ጸላኢን ተሰሊፈን ነጻነታዊ ተጋድሎና ንምዕዋት ሞባእ-ህይወት እናኸፈላ፡ ንጹንኩር መድረኻት በዲሄን ግምጃ-ነጻነት ከዲነናና እየን፡፡ ብርግጽ ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ነጻነታዊ ተጋድሎና ብሓንቲ ሕጥቦ-ጽሑፍ ንምግላጹ ምፍታን ምስ ድፍረት ዝቁጸር ምዃኑ ኣይሰሓትናዮን፡፡ ስለዝኾነ ከኣ ብጥቕልሉ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ መትንን ዓንድን ሰውራና ኔረን እንተኢልና፡ ንውዕለተን ዝገልጽ ዘይተጋነነ ሓቂዩ ዝብል ዕግበት ኣለና።

Last Updated on Thursday, 07 March 2013 18:09
Read more...
 
« StartPrev123456789NextEnd »

Page 1 of 9

Powered by Joomla!. Designed by: professional joomla themes  Valid XHTML and CSS.